ምድላይ ደሃይ ናይ ሃለዋቶም እተሳእነ ኣባላት ስድራ-ቤት

  • ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ-ብዙሓን (ፈይስቡክ፡ ውትስኣፕ ወዘተ) ኣቢልኩም ደሃይ ኣባላት ቤተ-ሰብኩም ሃሰው በሉ። ነዚ ኣብ እትገብሩሉ እዋን፡ ንስም ናይ`ቲ ደሃዩ እትደልዩ ዘለኹም ኣባል ቤተ-ሰብኩም ዝተፈላለዩ ፊደላት ኣጸሓሕፋ ተጠቒምኩም ፈትንዎ።  
  • ኣድራሻታቶም ንዘለኩም ሰባት ተወከሱ፤ ምኽንያቱ ገለ ካብኣቶም ምስ`ቲ ደሃዩ ዝጠፍኣኩም ዘመድ ርክብ ዘለዎም ኰይኖም ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም።
  • ምስ`ቲ ኣብ ሃገር መበቆልኩም ዝርከብ ኮም ዳግማይ ርክብ ክትምስርቱ ፈትኑ፤ ምኽንያቱ ኣባላት እቲ ኮም፡ እቲ ደሃዩ ዝጠፍኣኩም ዘመድ ኣበይ ከምዘሎ ክፈልጡ ተኽእሎ ኣሎ።
  • ደሃዮም ንዝጠፍኣኩም ኣባላት ስድራ-ቤት ኣብ 'Trace the Face' ድለይዎም (ናይ ቋንቋ እንግሊዝ መኽፈቲ መስመር፤ ከምኡ`ውን ብኻልኦት ቋንቋታት ክርከብ ይከኣል፣ ንኣብነት ብ ቋንቋ ፈረንሳዓረብኛ ን) ከተቕርብዎ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ ናይ ዓለም-ለኻዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል (ICRC) ኰይኑ፡ ደሃይ ኣባል ቤተ-ሰቦም ዘናድዩ ውልቀ-ሰባት ስእሊ ናይ`ቲ ሃለዋቱ እተሳእነ ሰብን ቍጽሪ ተሌፎኖምን ክሓድጉሉ ዝኽእሉ እዩ። ስእሊ ናይ`ቶም ደሃይ ዘጥፍኡ ኣዝማድኩምን ቍጽሪ ተሌፎንኩምን ኣብ`ዚ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ እዚ ክወጽእ ድልየት ምስዝህልወኩም፡ ምሳና ቈጸራ ክትሕዙ ከድልየኩም እዩ። 
  • ሓንሳብ ፈቲንኩም ተስፋ ኣይትቝረጹ። ሓደስቲ ጉዳያትን መልእኽትታትን መዓልታዊ ስለዝመጹ፡ እንተወሓደ ኣብ ወርሒ ሓንሳብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ከምኡ`ውን ኣብ Trace the Face ምፍታሽ እናቐጸልኩም ገለ ምዕባለታት ከይህሉ ርኣዩ።

ብኸመይ ክንሕግዘኩም ንኽእል?

ምስ ኣባላት ቤተ-ሰብኩም ዳግማይ ርክብ ደሃይ ንኽትምስርቱ፡ ደሃይ ናይ ምድላይ ናጻ ኣገልግሎት ንህብ። ንኽትምዝገቡ፡ ነዚ ቀጺሉ ተዘርዚሩ ዘሎ ቀሊል ቅደም-ተኸተል ተጠቐሙ፦

  1. ቈጸራ ንምሓዝ ተወከሱና።
  2. ኣብ ዝተመደበልኩም ግዜ ናብ ኣብያተ-ጽሕፈትና ብኣካል ቅረቡ።
  3. ኣድላዪ ዘበለ ሓበሬታ ሃቡና፤ ከምኡ`ውን ኣድለይቲ ዝበሃሉ ቅጥዕታት መሊእኩም ክታምኩም ኣንብሩሎም።  

ቈጸራ ሓዙ