ብመገዲ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዝመሓላለፉ መልእኽትታት

ብግጭት ድዩስ ብሓደጋ ኣብ ዝተጠቕዑ ከባቢታት፡ ከም መስመርን መርበብን ተሌፎን፡ ኣገልግሎት ፖስታ ከምኡ`ውን ኢንተርነት ናይ ዝኣመሰሉ መሳለጥያታት ምዝባዕ ክህሉ ንቡር እይ። ብመገዲ ቀይሕ መስቀል ዝመሓላለፉ መልእኽትታት፡ ነዞም ብኸም`ዚ መልክዕ ዝተጸልዉ ከባቢታት ምስ`ቲ ዝተረፈ ክፋል ዓለም ንምርኻብ፡ ዳግማይ ርክብ ኣብ ምምስራት ሓገዝቲ እዮም።

  1. መልእኽትታት ካብ መላእ ዓለም ይእከቡ።
  2. መልእኽትታት ኣብ ቦታኦም ምስበጽሑ ኣብ`ቲ ከባቢ ብዝነጥፉ ወለንተኛታት ተላዒሎም ናብ ተቐበልቶም ከምዝበጽሑ ይግበር።
  3. ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ መልእኽቲ ብዓውታ ከምዝንበብ ይግበር።
  4. እንተተኻኢሉ፡ ናይ ተሌፎን ወይ ናይ ስካይፕ መስመር ንኸፍት።

ቀይሕ መስቀል ሻርነታዊ ጸግዒ ዘይሕዝ ውድብ ብምዃኑ፡ ካልኦት ትካለ-ውድባት ክኣትዋኦም ኣብ ዘይፍቀዱለን ብግጭት ድዩስ ብሓደጋ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ክንቀሳቐስ ይፍቀደሉ እዩ። ይኹን`ምበር፡ ሻርነታዊ ጸግዒ ዘይምሓዝ ክበሃል እንከሎ፡ ብዛዕባ ሓደ ብመገዲ ቀይሕ መስቀል ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ከአንግዶም ዝከኣልን ዘይከኣልን ትሕዝቶታት ብዝምልከት ገለ ተረርቲ ሕጋጋት ኣለዉ ማለት`ዩ። ኣብ ገለ ኵነታት፡ ንኣብነት ተቐባሊ መልእኽቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስዝህሉ፡ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ነቲ መልእኽቲ ከንብብዎ ምዃኖም ኣይትረስዑ።

ብመገዲ ቀይሕ መስቀል ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ነዞም ቀጺሎም ዝዝርዘሩ ትሕዝቶታት ከአንግድ ዝከኣል እዩ፦

  • ንኵነታት ውልቀ-ሰብን ስድራ-ቤትን ዝትንክፍ ሓበሬታ፣
  • ኣሳእል፣
  • ኣብ ገለ ኵነታት ድማ ወግዓውያን ሰነዳት።

ብመገዲ ቀይሕ መስቀል ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ነዞም ቀጺሎም ዝዝርዘሩ ትሕዝቶታት ከአንግድ ኣይከኣልን እዩ፦

  • ገንዘብ፣
  • ንፖለቲካዊ ምዕባለታት ዝምልከት ደሃይ/ሓበሬታ፣

አልእኽቲ ንምስዳድ እንተወሓደ ናይ`ቲ ዝቕበሎ ሰብ ስምን ምሉእ ኣድራሻን ክህልወኩም የድሊ። እዚ ምሉእ ሓበሬታ እዚ ምስዘይህልወኩም፡ መስርሕ ጠለብ ድልያ ደሃይ ከተበጋግሱ ትኽእሉ ኢኹም።

ብመገዲ ቀይሕ መስቀል ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ክትልእኩ ደሊኹም? ተወከሱና