Restoring Family Links – ንስድራ-ቤታትኩም ንምሕጋዝ

Restoring Family Links (ዳግመ-ምምላስ ርክባት ስድራ-ቤታት)፡ ብቤልጅዩማዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ፍላንደርስ ዝወሃብ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ክፍሊት  ናጻ ዝዀነ ኣገልግሎት እዩ። እዚ ኣካል እዚ፡ ልክዕ ከም ኩሉ ኣብ ትሕቲ ምንቅስቓስ ቀይሕ መስቀል ዝጥርነፍ ካልእ ኣካል፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ሻርነታዊ ዝንባለ ናጻ ኰይኑ፡ ምስ ካልኦት ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን፡ ከምኡ’ውን ናብ ዞባታት ኲናታዊ ግርጭታት ናብ ዝለኣኹ ፍሉያት ጕጅለታት እናተሓባበረ ይነጥፍ። ንኵነትን ባህላዊ ድሕረ-ባይታን ናይ’ቶም ዝምልከቶም ውልቀ-ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኵላቶም ናብ’ዚ ትካል እዚ ዝቐርቡ ጠለባት/ሕቶታት ከም ምስጢር እዮም ዝውሰዱ። ትካል ቀይሕ መስቀል ብዓቢኡ፡ ኣቐዲሙ ካብ ዝምልከቶ ውልቀ-ሰብ ንጹር ፍቓድ ክሳብ ዘይተዋህቦ፡ ንዝዀነ ይኹን ውልቃዊ ሓበሬታ ናብ ሳልሳይ ኣካል ኣየቃልዕን እዩ።

ብዛዕባ መስርሕ Restoring Family Links ዝያዳ ሓበሬታ ርኸቡ 

ንውሕስነት ዝምልከቱ ምኽርታት ንስደተኛታት

ንቝጽርታት ተሌፎን ናይ ኣባላት ቤተ-ሰብኩም ብኣእምሮኹም ሓዝዎም።
ምስ ደቅኹም ትጐዓዙ እንተሃሊኹም፡ ከም ስም ወለዶም ንዝኣመሰሉ ሓገዝቲ ሓበሬታታት ብኣእምሮኦም ክዝክሩ ሓግዝዎም።
ንኣባላት ስድራ-ቤትኩምን ፈተውትኹምን ብዛዕባ መስመር ጕዕዞ ስደትኩም ወይ ኣንፈት መገድኹም ኣፍልጥዎም።
ንኣባላት ስድራ-ቤትኩም ብዛዕባ ጕዕዞኹም ድዩስ ብዛዕባ ዘለኹሞ ቦታ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣፍልጥዎም።
ንናይ ኢ-መይል ኣድራሻታት ናይ ኣባላት ስድራ-ቤትኩም ብኣእምሮኹም ክትሕዝዎም ፈትኑ።
ደሃይ ናይ ኣባላት ስድራ-ቤትኩም ምስሰኣንኩም፡ ተቓላጢፍኩም ሰታሪ/ፖስታ ናይ ማሕበር ቀይሕ መስቀል - ቀይሕ ወርሒ ክትረኽቡ ፈትኑ።
ንስኻትኩም ኩኑ ኣባላት ስድራ-ቤትኩም ግቡእ ናይ ጸረ-ምጥሓል ጃኬታት ትጥቀሙ ምህላውኩም ኣረጋግጹ።
ምስእትእሰሩ፡ ንኣባላት ፖሊስ ካብ ስድራ-ቤትኩም ክትንጸሉ ከምዘይትደልዩ ኣፍልጥዎም።