ኣድራሻታት

ተወሳኺ ሓገዝ ምስዘድልየኩም ኣብ ጐድንኹም ኣለና

ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ፡ ካብ ሰዓት 9 ቅ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 12:30 ድ.ቀ. ኣብ ዘለዉ ሰዓታት ብቝጽሪ ተሌፎን +32 (0)15 44 35 22 ክትድውሉልና ትኽእሉ ኢኹም።

ኣስተውዕሉ፦ ኣብ ስራሕና እንጥቀመሎም ቋንቋታት፡ ቋንቋታት እንግሊዝ፡ ዳች፡ ፈረንሳን ዓረብን እዮም። ብሓደ ካብ`ዞም ቋንቋታት እዚኣቶም ክትዛረቡ ዘይትኽእሉ እንተዄንኩም፡ ቋንቋ ዝኽእል ሰብ ብኽተሓባበረኩም ሕተቱ።

ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ ተጠቒምኩም መልእኽቲ ሕደጉልና 



Heb je een klacht over onze dienstverlening? Des plaintes à propos de nos services ? Do you have a complaint about service? Klachtenformulier / formulaire de plaint / complaint form

ኣድራሻ

Belgian Red Cross-Flanders
Motstraat 40
2800 Mechelen
ቤልጅዩም

ኣብያተ-ጽሕፈትና ብኣካል ዝርከቡሉ

ኣብያተ-ጽሕፈት ቤልጅዩማዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ፍላንደርስ፡ ካብ መደበር ባቡር ሚቸለን ናይ 15 ደቓይቕ ናይ እግሪ መገዲ ዝጠልብ ርሕቀት ዘለወን እየን።

ነዚ መደበር ባቡር ንድሕሬኹም ሓዲግኩም፡ ኣብ መዐሸጊ ማካይን ክሳብ እትበጽሑ ትኽ ኢልኩም መገድኹም ቀጽሉ። ንትካል ማእከል ስፖርታዊ ንጥፈታት `ኢሃም` ኣብ ቅድሜኹም ክትርእይዎ ኢኹም። ማካይን ንዝዕሸጋሉ ቦታ ሰጊርኩም ናብ Bautersemstraat ክትኣትዉ ኢኹም፤ እዚ ድማ ናብ Motstraat ዝወስድ እዩ።

ናብ ኣብያተ-ጽሕፈትና ዘብጽሑ መኣዝናዊ ሓበሬታታት ንምርካብ ኣብ`ዚ ጠውቑ

Téléchargez le plan (.pdf) 

Download the direction to the office (.pdf)

Download de routebeschriving (.pdf)