ብዛዕባ ዳግመ-ምርኻብ ስድራ-ቤታት

ኣብ ሃገረ-ቤልጅዩም ዓለም-ለኻዊ ውሕስነት ­­(ኵነተ-ሃለዋት ናይ ተቐባልነት ዝረኸበ ስደተኛ ወይ ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዓይነት ውሕስነት ናይ ዝረኸበ ውልቀ-ሰብ) እንተተዋሂቡኩም፡ ዝምልከቶም ኣባላት ስድራ-ቤትኩም ንኽጽምበሩኹም ከተምጽእዎም መሰል ኣለኩም። እዚ መምርሒ 'ዳግመ-ምርኻብ ስድራ-ቤታት'፡ ኣብ ዓንቀጽ 10 ናይ ቤልጅዩም ሕጊ ናይ ዕለት 15 ታሕሳስ 1980 – ምስ ጉዳይ ዕድል ተጠቃምነት ልኡላዊ መሬት ሃገር፡ ነባርነት፡ ከምኡ’ውን ምስ ምጥያስን ምስጓጕን ስደተኛታት ብዝተኣሳሰር፡ በቲ ዝተዓራረየ መልክዕ ትሕዝቶኡ ተጠቒስዎ ከምዘሎ፡ ነቶም ንሃገረ-መበቆልኩም ንድሕሪት ሓዲግኩሞም ዝመጻእኩም ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ንዝነብሩ ዘለዉ ፍሉያት ኣባላት ስድራ-ቤትኩም ዝምልከት እዩ።

ብመሰረት ስርዓተ-ሕጊ ናይ ሃገረ-ቤልጅዩም፡ ኣብ ትሕቲ መምርሒ ዳግመ-ምርኻብ ስድራ-ቤታት መሰል ዘለዎም ኣባላት ስድራ-ቤት ውሱናት እዮም። እዞም ውሱናት ኣባላት ስድራ-ቤት እዚኣቶም፡ ሕጋውያን መምዘኒታት ምስ ዘማልኡን ኣድለይቲ ዝበሃሉ መረጋገጺ ሰነዳት ምስዘቕርቡን፡ ብመልክዕ እቲ ኣብ ዓንቀጽ 10 ተጠቒሱ ዝርከብ “መሰል”፡ ሓሙሽተ ምድባት ናይ ኣባላት ስድራ-ቤትኩም ኣብ ቤልጅዩም ክጽንበሩኹም ይኽእሉ እዮም፦

  • መጻምድትኹም፣
  • ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቅኹም፣
  • ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኦም’ሞ ኣካለ-ስንኩላን ዝዀኑ ደቅኹም፣
  • ብዘይ መሰነይታ ዝመጹ ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት ምስእትዀኑ (ማለት፡ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም) - ወለድኹም፡ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን፡ ከምኡ’ውን ትሕቲ 18 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ዝዕድሚኦም ኣካለ-ስንኩላን ዝዀኑ ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን።

ዳግመ-ምርኻብ ስድራ-ቤታት ንዓኹም ዝምልከት ድዩ? 

ካልኦት ኣባላት ስድራ-ቤትኩም (ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኦም ኣካለ-ስንክልና ዘይብሎም ደቅኹም፡ ከምኡ’ውን ደቂ-ደቅኹም፡ ደቂ-ሓውኹም/ደቂ-ሓብትኹም፡ ብኺዳን ይኹኑ ብዘይኪዳን ምሳኹም ዝነብሩ መጻምድትኹም) ብመሰረት መስርሕ ዳግመ-ምርኻብ ስድራ-ቤታት ኣብ ቤልጅዩም ክጽንበሩኹም ኣይክእሉን እዮም። ይኹን’ምበር፡ ኣብ ትሕቲ ገለ ፍሉያት ኵነታት፡ ብመሰረት ዓንቀጽ 9 ከምኡ’ውን 13 ናይ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሕጊ፡ ሰብኣዊ ባይታ-ዝምኽንያቱ መንበሪ ፍቓድ ናይ ቤልጅዩም ንኽወሃቦም ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም። 

ዘይከም ዳግመ-ምርኻብ ስድራ-ቤታት፡ ሰብኣውነታዊ ቪዛ መሰል ዘይኰነስ፡ ብመሰረት ጽቡቕ ፍቓድ/ድልየት ብዝምልከተን ትካላት-መዚ ናይ ሃገረ-ቤልጅዩም፡ ኣብ ቤልጅዩም ክጽንበሩኹም ንዝደልዩ’ሞ ብመሰረት ዓንቀጽ 10 ተቐባልነት ንዘይብሎም ኣባላት ስድራ-ቤትኩም ዝወሃብ እዩ። ሕጊ ሃገረ-ቤልጅዩም ንጉዳይ ምውሃብ ሰብኣውነታዊ ቪዛ ብዝምልከት ዘስፈሮ ዝዀነ ይኹን ፍሉይ ትሕዝቶ የልቦን። ኣብ ክንዳኡ ግን እቲ ጉዳይ ንውልቃዊ ውሳኔ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ናይ ቤልጅዩም ዝግደፍ ይኸውን። ሓደ ኣባል ስድራ-ቤት ኣብ ቤልጅዩም መንበሪ ፍቓድ ንኽወሃቦ መምዘኒታት ዘመልእ እንተኾይኑ ንምግምጋም፡ እዚ ቤት-ጽሕፈት እዚ ንኵነታት ሰባት ጉዳይ-ብጉዳይ ይርእዮም። ይኹን’ምበር፡ ምስ’ዚ ብምትእስሳር፡ መስርሕ ዳግመ-ምርኻብ ስድራ-ቤታት ይኹን ጉዳይ ምውሃብ ሰብኣውነታዊ ቪዛ ነዊሕን እተሓላለኸን ክኸውን ከምዝኽእል ከነዘኻኽር ንደሊ።

እዚ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ እዚ፡ ምስ ዳግመ-ምርኻብ ስድራ-ቤታት ብዝተኣሳሰር፡ ነቶም ኣብ ቤልጅዩም ከም ስደተኛታት ተቐባልነት ዝረኸቡ ድዩስ ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባዊ ውሕስነት ንምርካብ ንዝበቕዑ ሰባት ሓበሬታ ዘስንቕ እዩ። መስርሕ ምምልካት ናይ ሰብኣውነታዊ ቪዛ እተሓላለኸ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንጠበቓ ወይ ኣገልግሎት ስነ-ሕጋዊ ምኽሪ ንእትህብ ትካል ከተማኽሩ ዝሓሸ ምዃኑ ክንመክር ንደሊ። ትካል ቀይሕ መስቀል ኣብ ዝዀነ ይኹን መስርሕ ምቕራብ መመልከቲ ናይ ሰብኣውነታዊ ቪዛ ክተሓጋገዘኩም ኣይክእልን እዩ።

ናብ’ዚ ዚስዕብ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ ነሰጋግረልኩም፦