ንውሕስነት ዝምልከቱ ምኽርታት ንስደተኛታት

ንቝጽርታት ተሌፎን ናይ ኣባላት ቤተ-ሰብኩም ብኣእምሮኹም ሓዝዎም።

ንኣባላት ስድራ-ቤትኩምን ፈተውትኹምን ብዛዕባ መስመር ጕዕዞ ስደትኩም ወይ ኣንፈት መገድኹም ኣፍልጥዎም።

ደሃይ ናይ ኣባላት ስድራ-ቤትኩም ምስሰኣንኩም፡ ተቓላጢፍኩም ሰታሪ/ፖስታ ናይ ማሕበር ቀይሕ መስቀል - ቀይሕ ወርሒ ክትረኽቡ ፈትኑ።

ንናይ ኢ-መይል ኣድራሻታት ናይ ኣባላት ስድራ-ቤትኩም ብኣእምሮኹም ክትሕዝዎም ፈትኑ።

ንስኻትኩም ኩኑ ኣባላት ስድራ-ቤትኩም ግቡእ ናይ ጸረ-ምጥሓል ጃኬታት ትጥቀሙ ምህላውኩም ኣረጋግጹ።

ምስ ደቅኹም ትጐዓዙ እንተሃሊኹም፡ ከም ስም ወለዶም ንዝኣመሰሉ ሓገዝቲ ሓበሬታታት ብኣእምሮኦም ክዝክሩ ሓግዝዎም።

ንኣባላት ስድራ-ቤትኩም ብዛዕባ ጕዕዞኹም ድዩስ ብዛዕባ ዘለኹሞ ቦታ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣፍልጥዎም።

ምስእትእሰሩ፡ ንኣባላት ፖሊስ ካብ ስድራ-ቤትኩም ክትንጸሉ ከምዘይትደልዩ ኣፍልጥዎም።